Luwa Academy

Luwa Academy

Share

We make it easier.

07/05/2026



​ፈተና ምስ ቀረበ ብዙሕ ትምህርቲ ከም ዝተረፈካ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ዝበለጸ መፍትሒ ግን ንዘሎካ ግዜ ብዝርዝር ምምቕቓል እዩ።

1) ​መደብ ኣውጽእ፦ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰዓት ከም እተጽንዕን ኣየናይ ትምህርቲ ከም እተጽንዕን ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ይሃልኻ።

2) ​ብኽብድ(ጠንካራ) ዓይነት ትምህርቲ ጀምር፦ ንዓኻ ዝኸብደካ ትምህርቲ (ንኣብነት ሒሳብ ወይ ፊዚክስ) ኣእምሮኻ ገና ከይደከመ ከሎ ብኡ ጀምር።

ብሩኽ ምሸት!


03/05/2026



1. ሂቡ ዝኸልእ፡ ፈትዩ ዝጸልእ።
2. ሃሊሉ ዝመጻካ ኣድጊ፡ ኣኽቢድካ ጸዓኖ።
3. ሃላይ ሰበይቲ፡ ጸብሓ ይጥዕማ።
4. ሃመማ እንተ በዝሑ፡ መኽደን ላጋ አይኸፍቱ።
5. ሃመማ እንተበዝሑ ቶፋን አይኸፍቱ።
6. ህዉኽ ኣንጭዋ፡ ዝደቀሰ ድሙ ይቕስቅስ።
7. ህውከት ይሰድድ በረኸት።
8. ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ።
9. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት።
10. ላሕሚ ኣብ ዘይወዓለቶ ኩቦ ምእራይ፣ ምስኣን ውራይ።
11. ላሕሚ እሳት ወለደት፡ ከይትልሕሶ ነደደት፡ ከይትገድፎ ወለደት ብኹሉ ተገደደት።
12. ላሕምሲ ብኢዲ ዝቀርባስ፡ ብእግራ ትሓክኽ።
13. ላሕምኻ እምባሕ ትበለልካ እምበር፡ ዋላ ኣይትታሓለብ።
14. ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ታሕታዩ አይጸሪ።
15. ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ።
16. ልሳን ዓጽሚ የብሉን፡ ግና ዓጽሚ ይሰብር።
17. ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ።
18. ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ፣ ልቢ ውሉድ ቀጥ።
19. ልኡኽ ሓሊቦ።
20. ሓለቓ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ሹም ዘይብሉ ንህቢ።
21. ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፡ኣጸብቕ ዝብልዎ ኣየኽፍእ።
22. ሓሙ ኣይግፋዕ፡ ጸባ ኣይድፋእ።
23. ሓሙስ ጽግቦ፡ ኣሽንዃይ ሰብስ ዑፍ'ኳ ትጸግቦ።
24. ሓሙኻ ሰዊት ሓጋይ ኣይኣዝዝካ።
25. ሓሙኻ ተቐራቢ ገዛኻ ነጣቢ (ኣይኹንካ)።
26. ሓሚሙ ዝተንሰአ፡ ፈጣሪኡ ረስዐ።
27. ሓሚምካ እንተ ኸድካዮምሲ ሞይቶም ይጸንሑኻ።
28. ሓምሊ ብዘውጽኦ ጸገም፡ ኣይትኹራዕ ስገም።
29. ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጣዕሚ: ንሓደ ሰብ ሸኽሚ።
30. ሓምቢሱ ዘይክእል ኣብ ቀላይ ኣይእቶ፣ ሓይሊ ዘይብሉ ቃልሲ ኣይፍቶ።
31. ሓሪስካ ምብላዕ እንከሎ: ክንድዚ ኩርንዒት ዶ ኣሎ፧
32. ሓሪጭ ሰይጣን ዝልቃሕ፡ ከይበልዐን ይብል ጋሕ።
33. ሓርማዝ መዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ።
34. ሓሰኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ: ሕማቕ ኣብ ዝፈርሓሉ።
35. ሓሲኻ ኣይቅያሕ፡ ኣብ እምኒ ደይብካ ኣይንዋሕ።
36. ሓሳዊ ኣብ መልሓሱ፡ ክናብ ኣብ ማሕፈሱ።
37. ሓሳዊ ከም ኣፉ፡ ሰራቒ ከም ኢዱ።
38. ሓሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈኵስ።
39. ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት።
40. ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ።
41. ሓቂ ንሓንቲ መዓልቲ ጭንቂ፣ ንዘለኣለም ጽድቂ።
42. ሓቂ እናሓደረ ይኹላዕ ከም ወርቂ።
43. ሓቅን ወጋሕታን፡ እናጸንሐ ይግለጽ።
44. ሓቢኤን ይጠንስኦ፡ ዓዲ ኣኪበን'ከ ይወልደኦ።
45. ሓባል መጠመቲኣ ትኳሓል።
46. ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ።
47. ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ።
48. ሓያል ሓምሓም ንእምኒ ሓደጋ ይወድቆ።
49. ሓደንያ ከምዘይተወልደ፡ ክልተ ክንዲ ሓደ።
50. ሓደ ከይጽምብሩ: ጾሞም ይሓድሩ።
51. ሓደ ዝወሳዲኡ: ብዙሓት ተሓማይኡ።
52. ሓደ ግዜ ካብ ምዝራብ፡ ሰለስተ ግዜ ምሕሳብ።
53. ሓጺራ እንተበልኩዋ’ሲ ተደቢራ ትስዕስዕ።
54. ሓፍ ከይበላ፡ ቛቕ ኣበላ።
55. ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና ዓዲ ኣርእዮ።
56. ሕሙም መንጸርጸሪ፡ ኣምላኽ ዝወሰኖ ንዘይቀሪ።
57. ሕሙም ዓይኒ ኣብ ጥቓ ትኪ ኣይተቕርብ።
58. ሕማም ዘይብሉ፡ ሕሙም ስጋ በሊዑ ይሓምም።
59. ሕማቕ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ።
60. ሕማቕ ነዓቒ፡ ጸማም ሰሓቒ።
61. ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ሕነ ሃብታማት ንዘኽታማት።
62. ሕነኡ ዘይፈዲ፡ ወዲ ኣድጊ።
63. ሕኑቕ እንታይ የውጽእ፧ ዓፍራ።
64. መለበምንያ ኣይግበርካ፡ መለበምንከ አይኽላእካ።
65. መለስያ ቖሎ: ጥጥቖ።
66. መላኺ ዘይብሉ፡ ሰይጣን ይመልኮ።
67. መልክዕ ደኣ ይሃበኒ'ምበር፡ ጣቓ ካብ ጎሮቤት ይልቀሖ።
68. መምህር ንኻልእ ይምህር፣ ንርእሱ የቕሕር።
69. መረረ ሰበይቲ ይገብር'ዩ ነብሪ፡ መልሓስ ሰበይቲንከ የጥፍእ'ዩ ነድሪ።
70. መርዑት ከይሓዛ መርዓ ክቋጸራ ይወዛወዛ።
71. መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ።
72. መርገም ከውድቕ’ምበር ክወግእ አይረአን።
73. መስሓቕ ሸራፋት።
74. መናበሪ ገዲፍካ መናገሪ፡ ሞት ንዘይቐሪ።
75. መን ምዃንካ ክነግረካ፡ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ።
76. መንቀኛ ሰብ ጸላኢኡ ይተክል፡ ፈታዊኡ ይነቅል።
77. መንገዲ ጥዕና፡ ዓመት ኪዶ።
78. መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ፡ ተዘርዚሩ ይስንዶ።
79. መኻሪ ዘይብሉ ንጉስ፡ ዘይሓደ ዓመት አይነግስ።
80. መዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ ምጭናዉ አይተርፎ።
81. መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ።
82. መንገዲ እንተ ጠፍአካ፡ ጓል መንገዲ ድለ።
83. ማይ ካብ ሩቡኡ፡ ሓሩጭ ካብ ቦኹሩኡ።
84. ማዕጾ ኣብ ልዳቱ፣ ሃካይ ኣብ ዓራቱ።
85. ምምካርሞ በዓለገ ይመክር፡ ስኣን ዝሰምዖ ይበኩር።
86. ምስ ቆልዓ ኣይትምከር: ምስ ከልቢ ኣይትታሓባእ።
87. ምስ ኣድጊ ዝዋዓለስ፡ ሃ ተዘይለመደ፡ ጥራጥ ለመደ።
88. ምስ ከደ ዘይምለስ፡ ምስ ተጠውየ ዘይቕለስ።
89. ምስ ጸዉዑኻ ምጻእ ፡ከይመነውኻ ውጻእ።
90. ምስላ ካብ ሕማቕ፡ ማይ ካብ ዓሟቕ።
91. ምብላዕ ምብልዑ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ ።
92. ምብላዕኻ ዝለመደስ፡ እንትርእየካ የምባሁቕ።
93. ምንም ዓመታት እንተሕለፉ፡ ካብ ሞት አይተርፉ።
94. ምእንቲ ሞጎጎስ ትሕለፍ ኣንጭዋ።
95. ምኽሪ ንዝሰምዑ፡ ማይ ንዝጸምኡ።
96. ምኽሪ እንተ ጠፍአት፡ ኣብ ውሻጠኻ ድለያ።
97. ምግቢ ምስ ጠመኻ: ናፍቆት ምስ ተፈላለኻ።
98. ምጽላእስ ንጽላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንካላእ።
99. ሞትን ክራማትን ምንም ኣይተርፍን።
100. ሩባ ዘለዎ ፈሳሲ፣ ጎቦ ዘለዎ መላሲ።
101. ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ።
102. ራዛ ናበይ ደሊኻ? ምሳኻ፧ እንታይ ስንቅኻ፧ ንስኻ።
103. ርሑቕ ከይዱ ዝምርዖ፡ ሓደን ክታልል ሓደን ክታለል።
104. ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን፡ ምድሪ ምድሩ ይባርኸልክን።
105. ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ፡ ኢድካ ምእካብ።
106. ሰራቒ ከም ኢዱ፡ ሓሳዊ ከም ኣፉ።
107. ሰበይቲ ዝለኣኸቶ ሞት ኣይፈርሕን።
108. ሰብ ብዘይፈልጦ ይውጽዕ፡ እዝጊ ብዝፈልጦ ይቐጽዕ።
109. ሰብ ኢለ እምኒ ቖንጢየ።
110. ሰብኣይ ክልተ ናብዝን ናብትን ክብል ሞተ።
111. ሰኣን እልይ'ዶ ነገር ይገፍሕ፡ ሰኣን ስግር'ዶ ውሕጅ ይበዝሕ።
112. ሰይጣን ንኣመሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ይብሉ።
113. ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ።
114. ሳዕሪ ዘይሃብካያ ላሕሚ፡ ጸባ ኣይትህብን።
115. ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ።
116. ስም ተራፊ፡ ብልዒ ሓላፊ።
117. ስሱዕ ክበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ክዛረብ ይስርነቕ።
118. ስጋስ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ።
119. ሸብዓተ ዓመት ከይመሃርስ፡ ሰብዓ ዓመት ይድንቁር።
120. ሹመት ንዝፈልጦ ይኸብዶ፡ ንዘይፈልጦ የዕበድብዶ።
121. ሹም ንሹም ይኳለሱ፡ ድኻ ንድኻ ይላቐሱ።
122. ሻራ ከም ባይቶኻ፡ ታሪኽ ከም ዓድኻ።
123. ሽሕ መኻሪ፡ ሓደ ወርዋሪ።
124. ሽሕ ይሙቱ፡ ኣላይ ሽሕ ኣይሙት።
125. ሽሕ ፈልጺ፡ መጥመሪአን ልሕጺ።
126. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ።
127. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ።
128. ቀምሽ ኣደይ አሐንኲሉኒ።

https://t.me/Luwa_Tutoring/2823

Photos from Luwa Academy's post 14/04/2026



​ሰላም ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ! እቲ ንነዊሕ እዋን እናዳለናዮ ዝነበርና መተግበሪ (Application) ሎሚ ዕላዊ ብዝኾነ መንገዲ ንኹሉ ተምሃራይ ተጠቃሚ ክኾን ገይርናዮ ኣለና። እዚ ድማ ምስቲ ብሄራዊ ፈተናኹም ምቕራቡ ስዒቡ ብዘይ ስክፍታን ብዘይ ናይ ዳታ (Connection) ፀገምን ዝተፈላለዩ ናይ ብሄራዊ ፈተና ሕቶታት ክትለማመዱ ዝሕግዘኩም ፥ ብዘይ ኢንተርኔት (Offline) ዝሰርሕ መተግበሪ (Application) ኣማዕቢልና ኣለና። እዚ መተግበሪ ሙሉእ ብሙሉእ ብነፃ እዩ ንተምሃሮ ሻብዓይን ሻምናይን ክፍሊ ቀሪቡ ዘሎ።

​💡 ?
➢ ​"ኢንተርነት የለን" ኢልካ ምጭናቕ የለን።
➢ ​ሕቶታት ምስ ሰርሓኹም፡ መልሱ ትርእዩ።
➢ ​ንፈተና ዘለኩም ድልውነት ትምዝኑ።
➢ ምንም ዓይነት ክፍሊት ኣይትሕተቱን።

እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ብዘይ ኢንተርኔት (Offline) ዝሰርሕ እዩ። ናይዚ መተግበሪ (Application) ሙሉእ ብሙሉእ ብነፃ ተጠቀምቲ ንምዃን ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ዝኾነ ወጻኢ ኣይሓትትን።

እዚ መተግበሪ ኣብ Telegram Channelና ይርከቡ።👉 https://t.me/Luwa_Tutoring

ኣብዚ ኸይዲ ግልፂ ዘይኮነልኩም ነገር እንተሃልዩን ናይዚ መተግበሪ (Application) Password ክትረኽቡ ኣብ Telegram ብምእታዉ ፅሓፉልና።

ሰናይ ዕድል!

13/04/2026

ንሓፈሻዊ ኣጠቃቕማ እቲ ኣፕልኬሽን፤ እዚ Video ብዝግባእ ተኸታተልዎ።

Photos from Luwa Academy's post 13/04/2026

!
​ሰላም ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ! እቲ ንነዊሕ እዋን እናዳለናዮ ዝነበርና መተግበሪ (Application) ሎሚ ዕላዊ ብዝኾነ መንገዲ ንኹሉ ተምሃራይ ተጠቃሚ ክኾን ገይርናዮ ኣለና። እዚ ድማ ምስቲ ብሄራዊ ፈተናኹም ምቕራቡ ስዒቡ ብዘይ ስክፍታን ብዘይ ናይ ዳታ (Connection) ፀገምን ዝተፈላለዩ ናይ ብሄራዊ ፈተና ሕቶታት ክትለማመዱ ዝሕግዘኩም ፥ ብዘይ ኢንተርኔት (Offline) ዝሰርሕ መተግበሪ (Application) ኣማዕቢልና ኣለና።

​💡 ስለምንታይ እዚ ኣፕሊኬሽን ተመራፂ ይገብሮ?
➢ ​"ኢንተርነት የለን" ኢልካ ምጭናቕ የለን።
➢ ​ሕቶታት ምስ ሰርሓኹም፡ መልሱ ትርእዩ።
➢ ​ንፈተና ዘለኩም ድልውነት ትምዝኑ።

እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ብዘይ ኢንተርኔት (Offline) ዝሰርሕ እዩ። ናይዚ መተግበሪ (Application) ተጠቀምቲ ንምዃን ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ዝኾነ ወጻኢ ኣይሓትትን።

ሓደ ተምሃራይ እዚ መተግበሪ ተጠቃሚ ንክኾን እንታይ ክገብር ኣሎዎ?
1) ናይ Tiktok ኣካውንትና👉 https://www.tiktok.com/?_r=1&_t=ZS-93w6aFpEPmm Follow ዝበለ

2) ናይ Facebook ኣካዉንትና 👇https://www.facebook.com/share/1At6UU3RMN/ Follow ዝበለ

3) ነዚ ናይ ቴሌግራም groupና ንክዓቢ እንተነኣሰ 50 ሰባት Add ዝገበረ

ስለዚ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ 3 ቀለልቲ ነጥብታት ብምትግባር እዚ መተግበሪ (Application) ብነፃ ተጠቀምቲ ይኹኑ።

ኣብዚ ኸይዲ ግልፂ ዘይኮነልኩም ነገር እንተሃልዩን ናይዚ መተግበሪ (Application) Password ክትረኽቡ ብቴሌግራም ፅሓፉልና።

ሰናይ ዕድል!

​🔥 ግዜ ከይከደኩም ሕጂ ተቐዳደሙ!


Photos from Luwa Academy's post 13/04/2026

🎉🎉እንኳዕ ኣሐጎሰኩም!🎉🎉

እቲ ቃል ኣቲናልኩም ዝፀናሕና ሓዱሽ ነገር እንሆ ሎማዓንቲ መዓልቱ ኣኺሉ ዕለዊ ንገብሮ ኣለና። በዚ መሰረት ንብሄራዊ ፈተናኹም ዝሕግዝ ዝተፈላለዩ ናይ ብሄራዊ ፈተና ሕቶታት ዝሓዘ መተግበሪ (Application) ኣዳሊናልኩም ኣለና።

እዚ ብዘይ ኢንተርኔት(Offline) ዝሰርሕ መተግበሪ (Application) ብ Luwa Tutoring ዝማዕበለ እንትኾን ኣጠቓቕምኡ ድማ ኣዝዩ ቀሊል ስለዝኾነ ዝያዳ ተመራጺ ይገብሮ።

ዝርዝር ኣጠቓቕማ ከመይ ምዃኑ ክነስዕብ ኢና።


13/04/2026

በዓል እዩ ሞ ፍሽኽ እስኪ ንበል🤣🤣

ሜዲቴሽን!! 😍
=========
ወለዲ "ተማሂሩ ከሕልፈልና" ኢሎም ብዕራይ ሸይጦም.... ንወዶም ይንቨርስቲ ሰዲዶሞ።

ሙህሮ ጀሚሩ። ክፍሊ ትምህርቲ ፍልስፍና። ናይ ዝተፈላለዩ ፈላስፋታት ርድኢት ፣ ምልከታን ኣተሓሳስባን ብ "ኮርስታት" መልክዕ ክወስድ ጀሚሩ። ናይ ምዕራባውያን ርሑቕ ምብራቓውይንን ፈላስፋታት።

ካብ ሶቅራጠስ ጀሚሩ ክሳብ ፕሌቶን ኣርስቶትልን ፣ ካብ ካርል ማርክስ ክሳብ ሄግል ፣ ካብ ኢማኑኤል ካንት ክሳብ ሮስ፣ ካብ ቡድሃ ክሳብ ኮንፊዩሸስ..... ታይሞ ተሪፉ!!!

ብትርፊ ግዚኡ እዉን ከም ናይ ኦሾን ኒቼን ዝበሉ ፍልስፍናታት ወሳሲኹ።

ንዕረፍቲ ገዛ መፂኡ። ኣእጋሩ ኣጣሚሩ ፣ ኣእዳው ኣብ ብርኩ ገይሩ ዓይኑ ይዕመት።

ወለዲ ድማ "ወደዋይ ታይ ድኣ ትገብር ኣለኻ ?

መልሲ የለን!! "አረ ታይ ጉዱ ታይ ወረደካ??" ሕዚ እዉን መልሲ የለን።

ድሕሪ ደቓይቕ..... I was Meditating!!! ይብሎም።

እንታይ በልካ ወደዋይ ?

ሜዲቴት ይገብር ነይረ። I was inhaling the good s**t and exhaling the bulls**t!! ማለተይ የስተንትን ነይረ።

ወለዲ ድማ .... ዶ.... ግርም ምስትንታንዋ.... በል ናዓ ምሳሕ በፂሑ ተባሂሉ ምሳሕ ተቐሪቡ።

ምሳሕ ፀብሒ ደርሆ ነይሩ። ወላዲት ፀብሒ ይፀብሓ። ኣቦን ወድን እናበልዑ..... ወላዲ ንወዶም..... ብስሩባ ታይ ትመሃር ኣለኻ? ኢሎሞ።

ፊሎሶፊ!! ኢሉ መሊሱ። ኣይተረድኦምን። ናብ ዶክተር ዶ ይቐርብ ናብ ኢንጅነር? ኣሎም ደጊሞም ሓቲተሞ።

ኖ!!! ዝተፈለየ እዩ። ፍልስፍና ማለት ...... ብዛዕባ ሓፈሻውን መሰረታውን ፀገማት ፣ ሓሳባት ዘፅንዕ እዩ። ፊሎሶፊ ወዲ ሰብ ከመይ ብሓባር ይነብር ፣ ትርጉም ሂወት እንታይ እዩ? ፣ ሕማቕን ፅቡቕን እንታይ እንታይ እዮም? ፣ ወዘተ ..... ብዛዕባ ሓሳብ ብሓሳብ ምምጓት ማለት እዩ!! ኢሉ።

ወላዲ ደንፅይዎም። ሰበይቲ ኽልተ እንቋቑሖ ፀቢሐን።

ወላዲ..... ታይ ማለትካ እዩ ሓሳብ ብሓሳብ ምምጓት ከ? እንዳተሟገትኻ ኣብ ነገር ትውዕል ወደዋይ? ይብሉ።

ኖ ፋዘር!!! ሓሳብ ብሓሳብ ምምጓት ማለት.... ናብዘን ኽልተ እንቋቑሖ እናጠመተ..... ንኣብነት ኣብዚ ኽንደይ እንቋቑሖ ኣሎ? ኢሉ ሓቲትዎም። ኽልተ! ኢሎም መሊሶም። ንሱ ድማ ኣነ ግን ሰለስተ እዩ! ኢለ ከእምነካ ይኽእል እየ ይብሎም።

ዋእ!! ወደዋ እሞ ዓቢድኻ ወይ ክዓ ዓይንኻ ኣራቢሑ ምርኣይ ጀሚሩ!! ኢሎም የፋጥጥሉ።

እዚ ወዲ ኽዓ.... ሰለስተ እዩ። እዚ ብዛዕባ idealism and realism ኢና ነውግዕ ዘለና። ኽልተ ዝበሃል ነገር ባዕልና ዝሃብናዮ ስያመ እዩ። ኣነ ንርእሰይ ሰለስተ ኢለ እንተእሚነዮ ሰለስተ ዘይኾነሉ means የለን። እናበለ ይካትዖም።

ኣታ ወደይ ኽልተ እዩ።

ኖ! ሰለስተ እዩ። ክትዕ ቀውጢ ኾይና። ወላዲ ኽዓ ህክይ ምስበሎም..... ነተን ኽልተ እንቋቑሖ እናጠመቱ.... እሞ ሰለስተ እዩ!! ዲኻ ትብል ዘለኻ? ይብሉዎ።

እወ!! ኢሉ ይምልስ።

ወላዲ ድማ.....እታ ሓንቲ እንቋቑሖ ንባዕሎም ፣ እታ ሓንቲ እንቋቑሖ ድማ ንሰበይቶም ሂቦም......

በል እዚ ወደይ እዛ ሳልሰይቲ ንዓኻ!! ኢሎሞ ይበሃል😂😂

ርሑስ በዓል!!



04/04/2026

ታሪኽ ሂወትን ምስጢር ዕድመን ንስሪ

​ንስሪ ካብቶም ኣብ ሰማይ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ትብዓትን ጽንዓትን ዓብዪ ምልክት ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ዕድመ ንስሪ ከም ኣተዓባብያኡን ከባቢኡን ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ በረኻ ዝነብሩ ንስሪታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመት ይነብሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ንስሪ ካብ ኩሎም ኣዕዋፍ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተሃለወ፡ ክሳብ 70 ዓመት ክነብር ዘኽእሎ ኣዝዩ ከቢድን ተኣምራዊን ዝኾነ ናይ ለውጢ መስርሕ ምሕላፉ እዩ።

​እቲ ንስሪ ዕድሚኡ 40 ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ኣካላቱ ክደክም ይጅምር። እቶም ንሃድን ዝጥቀመሎም ነዋሕቲ ጽፍርታቱ ጎቲሞም ደዳም ስለ ዝኾኑ ክሕዙ ኣይኽእሉን፤ እቲ በሊሕ መንቆሩ እውን ተጠውዩ ናብ ደረቱ ይቐርብ። ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ መንፈሩ ስለ ዝረጉዱን ስለ ዝኸብዱን ከም ቀደሙ ብቕልጣፈ ንኽነፍር ክፅገም ይገብርዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ንስሪ ክልተ ምርጫታት ጥራይ እዩ ዘለዎ፦ ወይ ተስፋ ቆሪጹ ሙማት፡ ወይ ድማ ን150 መዓልታት ዝጸንሕ ኣዝዩ ቃንዛ ዘለዎ ናይ ለውጢ መስርሕ ምሕላፍ።

​እቲ ንስሪ ንምንባር እንተወሲኑ፡ ናብ ሓደ በሪኽ ከረን ብምድያብ ኣብኡ ሰፈር ይሰርሕ። መጀመርታ ነቲ ዝኣረገ መንቆሩ ምስ ከውሒ እናጋጨወ የውድቆ። ሓድሽ መንቆር ምስ በቆለሉ ድማ፡ በቲ ሓድሽ መንቆሩ ገይሩ ነቶም ንሃድን ዘይጠቕሙ ጽፍርታቱ ሓደ ብሓደ ይነቅሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ሓደሽቲ ጽፍርታቱ ምስ በቆሉ፡ ነቶም ዝኸበዱን ዝኣረጉን መንፈሩ ይነቅሎም። እዚ ኩሉ ስቓይን ቃንዛን ዝመልኦ መስርሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ይወስድ።

​ድሕሪ እዚ ኩሉ መስርሕ፡ እቲ ንስሪ ከም ብሓድሽ ዝተወልደ ሓይሊ ረኺቡ ዳግማይ ናብ ሰማይ ይምለስ። እዚ "ናይ ዳግም ልደት" ጉዕዞ ድማ ንተወሳኺ 30 ዓመታት ብጥዕናን ብሓይልን ንኽነብር ዕድል ይህቦ።

እዚ ታሪኽ እዚ፡ ኣብ ሂወት ዓበይቲ ለውጥታት ንምምጻእን ንቕድሚት ንምስጓምን፡ ቃንዛ ዘለዎም ውሳነታትን ናይ ምሕዳስ መስርሕን ምሕላፍ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምህረና።

ከምዚ ዓይነት ትምህቲ ሓዘል ዝኾኑ ሓሳባትን ካልኦት ንትምህርቲ ሓገዝቲ ዝኾኑ ሓበሬታታትን ንኻልኦት እዉን ንኽባጻሕ በይዝኦም እንተንኣሰ 10 ኣዕርኽቶም ናብዚ group ADD ይግበሩ።

ብሩኽ ምሸት!


03/04/2026

እቶም ክልተ ዕንጨይቲ ቆረፅቲ
​ክልተ ሰባት 10 ሰዓት ምሉእ ዕንጨይቲ ይቖርፁ ነበሩ። እቲ ሓደ ካብቲ 10 ሰዓት ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ከየዕረፈ ይቖርፅ ነበረ። እቲ ካልኣይ ግን ኣብ ሰዓት ሓንሳብ እናዓረፈ ይቖርፅ ነበረ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ፡ እቲ እናዓረፈ ዝቖረፀ ዝበዝሐ ዕንጨይቲ ቆሪፁ ተረኽበ። እቲ ዘየዕረፈ ሰብኣይ ተገረመ። "ከመይ ጌርካ?" ኢሉ ሓተቶ። እቲ ዝበዝሐ ዝቖረፀ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ መሊሱሉ፦ "ኣነ እናዓረፍኩ፡ ነቲ ፋስ (መቍረጺ) የብልሖ እየ ነይረ።"

​ትምህርቲ፦ ንፉዕ ተምሃራይ ማለት 24 ሰዓት ዘንብብ ዘይኮነስ፡ ግዜኡ ብጥበባዊ መገዲ ዝጥቀምን ንኣእምሮኡ ዕረፍቲ ዝህብን እዩ።

ከምዚ ዓይነት ትምህቲ ሓዘል ዝኾኑ ሓሳባትን ካልኦት ንትምህርቲ ሓገዝቲ ዝኾኑ ሓበሬታታትን ንኻልኦት እዉን ንኽባጻሕ በይዝኦም እንተንኣሰ 10 ኣዕርኽቶም ናብዚ group ADD ይግበሩ።

ብሩኽ መዓልቲ!


31/03/2026

ብዛዕባ ተስፋ ዘይምቝራጽ

​ሓደ ንጉስ ኣብ ኵናት ተሳዒሩ፡ ተስፋ ቆሪጹ ኣብ ሓደ በዓቲ ተሓቢኡ ነበረ። "ከቶ ክዕወት ኣይክእልን እየ" ኢሉ እናሓሰበ ከሎ፡ ሓደ ንእሽቶ ሳሬት (Spider) ረኣየ። እቲ ሳሬት ዓለባኡ (Web) ክሰርሕ ናብ ላዕሊ ክድይብ ይፍትን ነበረ። ሓንሳብ ወደቐ፡ ከም ብሓድሽ ደየበ፡ ከምኡ እናበለ ንሽዱሽተ ግዜ ወደቐ። እቲ ንጉስ "ሕጂስ ክሓድጎ እዩ" ኢሉ ክጽበ ከሎ፡ እቲ ሳሬት ንሻውዓይ ግዜ ፈተነ እሞ ተዓወተ።
​እቲ ንጉስ በዚ ተተባቢዑ፡ "እዚ ንእሽቶ ፍጥረት እኳ ተስፋ ዘይቆረጸስ፡ ኣነስ ንምንታይ ተስፋ ይቖርጽ?" በለ። ሰራዊቱ ኣኪቡ እንደገና ተዋጊኡ ድማ ተዓወተ።

​ትምህርቲ፦ ሓንሳብ ስለ ዝፈሸልካ ወይ ሓደ ትምህርቲ ስለ ዘይተረድኣካ ተስፋ ኣይትቁረጽ። ደጋጊምካ ምስ እትፍትን ዓወት ናትካ እዩ።

ከምዚ ዓይነት ትምህቲ ሓዘል ዝኾኑ ሓሳባትን ካልኦት ንትምህርቲ ሓገዝቲ ዝኾኑ ሓበሬታታትን ንኻልኦት እዉን ንኽባጻሕ በይዝኦም እንተንኣሰ 10 ኣዕርኽቶም ናብዚ group ADD ይግበሩ።

ብሩኽ መዓልቲ!




Want your school to be the top-listed School/college in Addis Ababa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Category

Address

Addis Ababa
1000