NationalEr Interest

NationalEr Interest

Share

Centre for Policy and Strategic Studies | Asmara, Eritrea.

Photos from NationalEr Interest's post 20/06/2026

June 20 🇪🇷 🇺🇸🕯|• ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸኒቱ እዩ --- እዞም ኩሎም ደቂ ቤት-ምኻ/ቪላጆ ጥራይ እዮም እቲ ዝገርም፡ ንምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ካብ ዝወደቁ ሓርበኛታት !!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!!
ሰማእታት፡ ብስራሕን መብጽዓና ብምትግባርን ወትሩ ይዘከሩ !!!

ዓወትን'ሓፋሽ !!!
NationalEr Interest

20/06/2026

ከቢድ መብጽዓ !!!

"ሕድርኹም፡ ደጊም ኣብ ኣፋፍየት ገዚፍን ነባርን ዓወት ኣብጺሐያ'የ !!!"
...., እቲ ስምዒታት ናይ ትማል ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ነዚ እዩ ዝገልጽ!!!"

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!!
ሰማእታት፡ ብስራሕን መብጽዓና ብምትግባርን ወትሩ ይዘከሩ !!!

ዓወትን'ሓፋሽ !!!
NationalEr Interest

20/06/2026

Eri-US Relations 🇪🇷 🇺🇸🕯|• ሎሚ ዓመት፡ ፈጻሚት ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ክሪስቲያን መየር፡ ኣብ ዝኽሪ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ብኣካል ተረኺባ፡ እግሪ ጉዕዞ ኣካይዳ ኣላ። እዚ ድማ መርኣያ እቲ "ሓዲሽ መድረኽ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን" ዝበሎ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ እዪ፡

ሎሚ 20 ሰነ 2026፡ ፈጻሚት ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፥ ክርስቲያን መየር፥ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራን ምዝካር ምስ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ምስ ማሕበረሰብ ኤርትራን ካብ ማእከል ከተማ ክሳብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ብእግራ ተጓዒዛ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!!
ሰማእታት፡ ብስራሕን መብጽዓና ብምትግባርን ወትሩ ይዘከሩ !!!

ዓወትን'ሓፋሽ !!!

NationalEr Interest

20/06/2026

June 20🕯 🇪🇷 •|•• ስድራ ኣቡን --- "ጽሕዲ ዝመስሉ 3 ኣሕዋተይ ገዲፈስ በይነይ ኣይኣቱን!"

የሕደጎ ኣቡን ወዲ ኣቡን ናጽነት ኣስመራ ብሓንሳብ ኢና ኣቲና። ብዕድመን ብግድምናን ስለ ዝመርሓና፡ ኣነ ናትናኤል፡ ኣማኒአል ሚሻን ምሕረታኣብን ዘለናዮ፡ ቅድም ንዕዑ ገዝኡ ኣርባዕተ ኣስመራ ከነብጽሖ ኢልና፡ ካብ ኣፍዓበት ከረን ሰጊርና ቀጥታ ኢና ኣስመራ ናብ ገዝኦም ኣምሪሕና።

ሽዑ ወዲ ኣቡን ገዝኡ ምእታው ይኣብየና! "ጽሕዲ ዝመስሉ 3 ኣሕዋተይ ገዲፈስ በይነይ ክኣቱ!" ይብለና። ኣዲኡን ሓንቲ ሓፍቱን እየን ጸኒሐናና፡ ዓዲ እንዳ ኣቡን ገለ ካብ ደቂ ኣቡን ክኣትዉ ክጽበዩ ግዲ ቀንዮም፡ ብዓዳ ግልብጥ ኢላ እያ መጺኣ። እቶም ኩሉ ገዲፍና ምስኡ ዝኸድና ብጾቱ ስምዒትና ክንቆጻጸሮ ኣይከኣልናን።

እዚ እውን ከም'ቲ ኩሉ ኤርትራዊ ጸይርዎ ዝኸይድ ዘሎ ታሪኽ እዩ። ይሕደጎ ሓዎም ዉን፡ ናጽነት ኣርኪቡ፡ ኣብ ምዉሓስ ልኣላዉነት ተሳቲፉ፡ ኣብ 2015 ተሰዊኡ።

ስድራ እንዳ ኣቡን፡ "ተመስገን" ኣጻሊታ፡ ምቅሊ እኳ ረኺባ። ምቕሊ ዝተሓረማ ኤርትራዉያን ስድራቤታት ማእለያ የብለንን።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!!
ሰማእታት፡ ብስራሕን መብጽዓና ብምትግባርን ወትሩ ይዘከሩ !!!

ምንጪ፡ ዮርዳ (ምስግና ኣሲሄል ዝለኣኾ ጽሑፍ)

ዓወትን'ሓፋሽ !!!
NationalEr Interest

20/06/2026

June 20🕯🇪🇷 •|•• ዖና --- ብገዲም ድምጻዊት በኺታ ዓሊ፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!
ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!!

ዓወት'ንሓፋሽ !!!
NationalEr Interest

Photos from NationalEr Interest's post 20/06/2026

June 20 🕯🇪🇷 |• ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ኣኽሊል ዕንበባ ኣንቢሩ፡

ሎሚ ንግሆ 20 ሰነ 2026፡ ​ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንኽብርን ዝኽርን ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ኣኽሊል ዕንበባ ኣንቢሩ።

​ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ 20 ሰነ፡ ካብ ሸዳ ክሳብ መካነ መቓብር ብዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ንምምጻእ ናጽነትን ምዉሓስ ልዑላውነትን፡ መሬታዊ ሓድነትን ክብርታት ወዲ-ሰብን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ዘንጸባርቕ ባህላዊ ምርኢታት ዘጠቓለለ ነይሩ።

​ሃገር ኣብ ረዚን ዝኽሪ ሓበን!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

ስእልን ሓበሬታን፡ ሚ/ዜና
NationalEr Interest

Photos from NationalEr Interest's post 20/06/2026

June 20🕯🇪🇷 •|•• ስእላዊ መግለጺ ስነ-ስርዓት ምዉላዕ ሽምዓ፡ ኣብ ድሮ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!!
ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!!

ዓወት'ንሓፋሽ !!!

📷 - -TV, Adiam Sbahtu
NationalEr Interest

19/06/2026

June 20🕯 🇪🇷 •|•• A S S A B --- ሰልፊ ምዉላዕ ሽምዓ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!!
ሰማእታት፡ ብስራሕን መብጽዓና ብምትግባርን ወትሩ ይጸከሩ !!!

ዓወትን'ሓፋሽ !!!

📷 - Ahmedani Mohamed
NationalEr Interest

19/06/2026

June 20 🇪🇷 •|•• መርሃዊ መሓሪ ዘማሪያም ብዛዕባ ስድራ ሃብተ ጌረሱስ !!!

ዉሉድን ወላድን ብሓባር ዝተቀብሩላ ሃገር !!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!!

NationalEr Interest

19/06/2026

June 20 🇪🇷 •|•• ንስለ ናጽነት 5 ዉሉዳ ሓፊሳ ዝሃበት ስድራ ሰሎሙን፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!!
ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ !!!
ዓወትን'ሓፋሽ !!!

NationalEr Interest

Want your school to be the top-listed School/college in Massawa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Address


Red Sea Cost
Massawa
00291